letra de grum fkri | ግሩም ፍቕሪ - shalom h. naizgi
Loading...
ንጎደና ጽድቂ ጓና እንከለኹ
ርሕቀተይ ኣይረሓቖን ቀሪቡኒ ኣናድዩ
ሃብቱ ከውርሰኒ ዕዳይ ከፊልዎ
ናይ ኩነኔ ኣርዑት ካብ ልዕለይ ሴርዎ
ሕሉፍ ህልዊ መጻኢ ሓጥያተይ ወሲድዎ
ካብዚ ዝበልጽ ፍቕሪ እንታይ ኣሎ …ዎ
ዎ ግሩም ፍቕሪ፡ ናይ መስቀል ፍቅሪ
ዘይልካዕ ዋጋ ኣብ ክንዳይ ከፊሉ
ህይወት ሂቡኒ ብሞቱ
ዎ ግሩም ፍቅሪ
ሓያል ዓቢ ኣምላኽ ሰማያት ዙፋኑ
ንዓይ ንምድሓን ግን ኣብ መስቀል ውዒሉ
ቲ’ ወሃቢ ህይወት ሂወቱ ምሃኡ
ክብሪ ምኽሪ ኣምላኽ ዘስተውዓሎ ኣሎ ድዩ?
ብምድራዊ ጥበብ ዘይፍታሕ ምስጢር እዩ
ነቶም ዝበርሃሎም ብምግላጽ መንፈሱ እዩ …ዎ
ዎ ዓሚቕ ምስጢር፡ ናይ መስቀል ምስጢር
ክቡር ግኑን ስልጡን ኣምላኽ ክነሱ
ስለይ ክዋረድ መሪጹ
ዎ ዓሚቕ ምስጢር
የሱስ ገንሸል ኣምልኽ ሓንሳእ ተሰዊኡ
በቲ ክቡር ደሙ ዓወት ተኣዊጁ
ሓንሳእ ንሓዋሩ ጸላእተይ ረጊጽዎም
ኣጽዋሮም ገፊፉ ብግልጺ ስዒርዎም
እነብር ኣለኹ በቲ ዘፍቐረኒ
ካብ ሰዓርቲ ክበልጽ ዓወቱ ዝሃበኒ…ዎ
ዎ ብሉጽ ዓወት፡ ናይ መስቀል ዓወት
ናይ ሞት ፍርዲ ንዘልኣለም ህይወት ተቐይሩ
ጸጋ ጐይታና ስዒሩ
ዎ ብሉጽ ዓወት
letras aleatórias
- letra de history buff - quinn lewis
- letra de self destruct - elijah mickey
- letra de agora estou bem - mickael carreira
- letra de wraps!! - bib sama.
- letra de sunday mornin' (alternate version) - bobbie gentry & glen campbell
- letra de nici nu te cunos - trusky (rou)
- letra de mirror image - berk the turk, turq.
- letra de rengaine - zélie
- letra de wrong time - zoe clark
- letra de malagouzia - ricta (grc)